ተስፋ ስዱዳን Tesfa Sidudan

ብቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ትመሓደር ቤተ ክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮሆልም

“ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ።” 1ይ ቆረንቶስ 9፥16
ዕላማን ቀንዲ ተግባርን ናይዛ መርበብ ሓበሬታና ዝኾነት ተስፋ ስዱዳን ቅኑዕ ትምህርተ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምዝርጋሕን ምምሃርን ወንጌል ምስናይ ወቕቱ ምዝራእን ካልኦት ትምህርተ ሃይማኖት ብዝሰፍሐ መልክዑ ብዝተፈላለዩ መደባት ከም ኣብነት ዘተ መንእሰያት ፡መዝሙር ፡ ስነ-ጽሑፍ ወዘተ ምዝርጋሕ ምኻኑ ንሕብር።
ጎይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሃዋርያቱ ከምዚ በሎም ነዚ፡ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም ብዙሓት ነብያት ክርእዩን ክሰምዑን ደለዩ ግናኸ ኣይከኣሉን ናታትኩም ኣዒንትን ኣእዛንን ግና ነዚ ዝረኣያን ዝሰምዓን ብጹኣን ኢየን ብምባል ብኹልንትንኦም ምሉኣት ብቑዓትን ኮይኖም ነቲ ዝረኣይዎ ጎይታ ልቢ ሂቦም ክስዕብዎ ተዛረቦም። እምበኣር ዕላማ ክርስትና ድማ ብክርስቶስ ኣሚንካ ብቅድስና ምንባርን ብንስሓ ተሓጺብካ ውን ኣብቲ ቅዱስ መኣዲ ናይ ጎይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ስጉኡን ክቡር ደሙን ተሳተፍቲ ብሙኻን ናብቲ ዘይሓልፍ መንግስቱ ወረስቱ ኮይንና ጋማ ኣኽሊል ናይ ሰማያት ምርካብ ኢዩ። በዛ መርበብ ሓበሬታና ውን ወንጌል ኮነ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባት ተሓጊዝና ድማ ካብ ካልእ ምንፍቕናዊ ትምህርቲ ተቖጢብና ሓቀኛ ትምህርቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ተመጊብና ጥንታዊትን ሃዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ወልድ ዋህድ ተዋህዶ እምነትና ኣጽኒዕና ክንከይድ ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ደጊማ ሓደራኣ ተመሓላልፍ።