Minet Academy

እዚ ቻነልዚ፣ ሞራላዊ፣ ስነ ኣእምራዊ፣ ጥዕናዊን ማሕበራዊን ትምህርቲ ዝወሃበሉ ቻነል ኢዩ። ፍሉይ ካሪክሉም ብሞያውያን ተሰሪዑ ዝተዳለወ፣ ብቀሊሉ ክርዳእ ብዝከኣል ሞደላት ብኪላታት ተቐሪቡ ንግዳሳት ትምህርቲ ብነጻ ክዝርጋሕ ተዳልዩልኩም ኣሎ።
ኣገባብ ኣመሃህራ
ካሪክለም ተሰሪሑሉ በብምዕራፉ ተከፋፊሉ ተዳልዩልኩም ኣሎ። ኣብ ዝኮነ ሓጺር መእተዊ ናይቶም ጀመርቲ ምዕራፋት ክንሰደልኩም ኢና። ብዝያዳ ግብረመልስኹም ርኢና ከኣ ነቲ ዝሰፍሔ ቀንዲ ትሕዝቶ ናባኹም ከነብሎ ኢና።
ከምዚ ንገብረሉ ምኽንያት ከኣ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኣእምሮኡ ከዚንዎ ዘሎ ፍልጠት ብምግንዛብ ስለ ዝርዳእ፣ ኣቐዲምና ሓጺር ስእሊ ናይቲ ሓሳብ ብምቕራብ (ንእብነት ከም ሓጺር መግለናይቲ ቀንዲ ኣርእስቲ/ ናይቲ ምዕራፍ) ቀጺልና ቅሩብ ስፍሕ ዝበለ መእተዊ፣ ደሓር ከኣ እቲ ቀንዲ ዝርዝር ትምህርቲ ከነቕርበልኩም ኢና።
ንሕቶን ርእይቶን ክፉት ከም ዝከውን፣ ሕቶታት ብምቕዳም ከኣ ኩሉ ተኸታታሊ ኣቐዲሙ ናቱ ሓስባት ሃኒጹን ተመራሚሩን ብምጽናሕ፣ እቲ ትምህርቲ ክወሃብ ከሎ ብዝያዳ ዝበዝሐ ምግንዛብ ከም ዝፈጥር ኮይኑ ኢዩ ተዳልዩ ዘሎ። ስለዚ ፍልጠት ካብን ናብን ብምቅብባል እንዳተመላላእካ ኢዩ እሞ፣ ብሕቶን ርእይቶን ከተሀብትምዎ ብክብሪ ንዕድም።
ራኢ ናይዚ ቻነል
መንእሰይ ኣብ ንቕሓት ዝተሞርኮሰ ናቱ ናይ ግዛእ ርእሱ ራኢ ሃኒጹ፣ መጻኢኡ ናይ ምምእዛን ሓይሊ ኪውን፣ ሓሳቡ ክፈልጥን ነብሱ ከመሓድርን፣ ብከምኡ ከኣ ኣብ ሕብረተሰቡ መሪሕ ተራ ክጻወትን ኢዩ።
ኩሎም ኣብዚ ቻነል እዚ ዝቐርቡ ትሕዝቶታት ምሉእብምሉእ ንትምህርታዊ ሓበሬታ ዝዓለመ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ። ዝኮነ ኣካል ከኣ መሰል ጸሓፍትን ኣዳለውቲን ብጥብቂ ከኽብር ንምሕጸን።