ትሕተ-ውኖ 3፡ ዘባል/ዝንቡዕ ኣተና (biased attitude) ብከመይ ይምዕብል
Автор: Minet Academy
Загружено: 2020-01-10
Просмотров: 2636
ኣገዳሲ ሓቤረታ
እዚ ቻነልዚ፣ ሞራላዊ፣ ስነ ኣእምራዊ፣ ጥዕናዊን ማሕበራዊን ትምህርቲ ዝወሃበሉ ቻነል ኢዩ። ፍሉይ ካሪክሉም ብሞያውያን ተሰሪዑ ዝተዳለወ፣ ብቀሊሉ ክርዳእ ብዝከኣል ሞደላት ብኪላታት ተቐሪቡ ንግዳሳት ትምህርቲ ብነጻ ክዝርጋሕ ተዳልዩልኩም ኣሎ።
ራኢ ናይዚ ቻነል
መንእሰይ ኣብ ንቕሓት ዝተሞርኮሰ ናቱ ናይ ግዛእ ርእሱ ራኢ ሃኒጹ፣ መጻኢኡ ናይ ምምእዛን ሓይሊ ኪውን፣ ሓሳቡ ክፈልጥን ነብሱ ከመሓድርን፣ ብከምኡ ከኣ ኣብ ሕብረተሰቡ መሪሕ ተራ ክጻወትን ኢዩ።
ምክባር መሰል ጸሓፍትን ተጠቃምነትን (Terms of use and © copyright )
ምሉእ መሰል ደራሲ ዝተሓለወ ኢዩ። ኩሎም ኣብዚ ቻነል እዚ ዝቐርቡ ትሕዝቶታት ምሉእብምሉእ ንትምህርታዊ ሓበሬታ ዝዓለመ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ። ዝኮነ ተጠቃሚ ኣካል ከኣ መሰል ጸሓፍትን ኣዳለውቲን ብጥብቂ ከኽብር ንምሕጸን። ዝኮነ ትሕዝቶ ናይ Minet Academy፣ ብዘይ ጽሑፋዊ ፍቓድ ኣካያዲ ናይዚ ቻነል (ምነት ተስፋይ)፣ ብምሉእ ይኹን ብከፊል፣ ወይ ብዝኮነ ካሊኣ ሜላ ናይ ምቅንባር ኣብ ዝኮነ ናይ ማሕበራዊ መራከቢታት፣ ራዲዮ ወይ ተለቪዝን ክቐርብ ወይ ውን ብዝኮነ ካሊእ ሜላ ናብ ጽሑፋዊ ወረቐት ክቕቅረጽ፣ ወይ ብዝኮነ ካሊእ ሜላ ኤለክትሪካዊ ወይ መካኒካዊ ሜላ ክዕቀብን ፍቑድ ይኮነን።
ፍሉይ ምትብባዕ፣ ካብ ትግሪኛ ወጻኢ ብካሊእ ናይ ኤርትራ ቋንቋታት ዘመሓላልፋ ቻነላት በቲ ዘመሓላልፋሉ ቋንቋ ናይ ኤርትራ ተርጒመን ከመሓላልፋሉ ዝኽእላ ሜላ ክንፈጥር ስለ ንኽእል ክረኽቡኒ የተባብዕ።
ፖሊሲ ኣንጻር ዓሌታውነትን ኣድልዎን (Policies against Racism and discrimination)
ዓሌታውነት፣ ኣድልዎ ወይ ሻራነት ዘለዎ ትምህርቲ ምምሃር ወይ ርእይቶ ምጽሓፍ ኣይፍቀድን። ብመሰረት ዓሌት፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ መበቆል፣ መንነት፣ ዜግነት፣ ሃይማኖት፣ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ፣ ዕድመ፣ ጾታ፣ ጾታዊ ኣረኣእያ፣ ብናይ ሓዳር ኩነታት፣ ስድራቤት፣ ብደረጃ መነባብሮ፣ ብደርጃ ስርሕ፣ ብደረጃ ትምህርቲ፣ ብስንክልና ወይ ሕማም ምክንይት ዝገበረ ሻራነት/ ኣድልዎ/ ጸርፊ/ ዝኮነ ዓይነት መጥቃዕቲ ፍቑድ ኣይኮነን። በዚ ሓሳብ እዚ ክንቅየድ ድማ ግድነት ኢዩ። እዚ ቻነል እዚ ናይ ሓሳባት መዘራረቢ ኢንበር፣ ናይ ሰባት መፍረዲ ስለዘይኮነ ብዛዕባ ሓሳብ ኢንበር ብዛዕባ ሰብ ምፍራድ ኣይፍቀድን። ስለዚ ኣብዚ ዝመሓላለፍ ትምህርትታት በዚ ሚዛን እዚ ከነሕልፎ ኢና። እቶም ርእይቶታትኩም ትህቡ ድማ ነዚ ኣብ ግምት ገርኩም ርእይቶኹም ብኣክብሮት ክትጽሕፉ ንላቦ።
ምትሕብባር
ፍልጠት ካብን ናብን ብምቅብባል እንዳተመላላእካ ኢዩ እሞ፣ ብሕቶን ርእይቶን ከተሀብትምዎ: Subscribe ብምግባር ተኸታተልቲ ክትኮኑ፣ ሓቢርና መታን ክንዓቢ ከኣ share ብምግባር ኣብ ምዝርጋሕ ክትተሓባበሩና ብኣኽብሮት ንዕድም።
ሰናይ ናይ ትምህርቲ ግዜ።
Доступные форматы для скачивания:
Скачать видео mp4
-
Информация по загрузке: